
ምልክታ ፕሮፎርማ
ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቛርን ልቓሕን ሚዛን ንበጀት ዓመት 2017 ግልጋሎት ዝውዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ቀወምቲ ንብረት (Furniture)ን ቀዋሚ ንብረት (Electronics) ኣቑሑትን ኣወዳዲራ ክትዕድግ ትደሊ። ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፡ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ክተቕርቡ ትኸእሉ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ (TIN) መረዳእታ ከተቕርቡ ትኽእሉን ናይ ቫት (VAT) ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ክተቕርቡ ትኽእሉ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።
ቀዋሚ ንብረት (Electronics)
| ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ዝርዝር መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ፎቶኮፒ | ብስፔሲፊኬሽን መሰረት | ብቑፅሪ | 01 | ||
| 2 | ዴስክቶፕ ኮምፒተር 7010 (Desktop Computer 7010) | ብስፔሲፊኬሽን መሰረት | ብቑፅሪ | 14 | ||
| 3 | ዴስክቶፕ ኮምፒተር 7000 (Desktop Computer) | ብስፔሲፊኬሽን መሰረት | ብቑፅሪ | 02 | ||
| 4 | ላፕቶፕ (Laptop) | ብስፔሲፊኬሽን መሰረት | ብቑፅሪ | 03 |
ቀዋሚ ንብረት (Furniture)
| ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ዝርዝር መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | High back Managerial Chair (imported) | ብሳምፕል መሰረት | ብቑፅሪ | 04 | ||
| 2 | Office table 70cm x 140cm | ብሳምፕል መሰረት | ብቑፅሪ | 14 | ||
| 3 | Seat chair (imported) | ብሳምፕል መሰረት | ብቑፅሪ | 10 |
መተሓሳሰቢ
❖ ተጫረቲ ኣብ ዝቐረበ መወዳደሪ ሰንጠረዥ ሽም፣ ኣድራሻ፣ ክታምን ማህተምን ከስፍሩ ኣለዎም፡፡
❖ ተወዳደርቲ ካብ ዝቐረበ ስፐሲፊኬሽን ወፃኢ እንተመሊኦም ተቐባልነት የብሉን፡፡
❖ ተጫረቲ ዘለዎም መረዳእታ ብዘይ ምንም ዓይነት ስርዝ ድልዝ ከቕርቡ ኣለዎም።
❖ ዝቐርብ ዝተመልአ ፕሮፎርማ ኣብ ዶክመንትን ፖስታን ናይ ተጫረቲ ማህተም ክዓርፎ ይግባእ።
❖ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ብግልፂ ክገልፁ ኣለዎም፣ '፣ ብግልፂ እንተዘይኣቐሚጦም ግን ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይውሰድ፡፡
❖ ተጫረቲ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ሳምፕል ክሪኡ ይኽእሉ እዮም፡፡
❖ ተጫረቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ CPO ወይ ብቼክ ብር 20,000.00 ከትሕዙ ኣለዎም፡፡
❖ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 200 (ክልተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ክወስዱ ይኽእሉ፡፡
❖ እዚ ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሓለ ካብ ዕለት 28/08/2017 - 02/09/2017 ዓ/ም ይኸውን።
❖ ፕሮፎርማ ዕለት 02/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቢሮ ቑፅሪ 02 ይኸፈት።
❖ ሕብረት ስራሕ ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ በዚ ፕሮፎርማ ኣይግደድን።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ - 0952 565656