https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17092
መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 25, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 11, 2017 05:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 11, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ቑፅሪ 3368 7-13/2017

ዕለት 24/08/2017

ምልክታ ጨረታ

መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ ድሌት ዘለኩም ሕብረተሰብ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተዘርዘሩ ረቋሒ መሰረት ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም፡-

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

➢ ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ እትደሉ ሕብረተሰብ ካብ ዕለት 25/08/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 እናከፈልኩም ክሳብ 11/09/2017 ዓ/ም ክትወስዱ ትክእሉ

➢ ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ኣድራሻን ብሽምዒ ኣሺጎም ሆ/ልና ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ከእትዉ ኣለዎም፤ ተጫረቲ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቕራብ ናይቲ ንብረት ኩነታት ኣብ ዝከን እዋን ናብ ግቢና ብምምፃእ ምርኣይ ይከኣል

➢ ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ CPO ፣ ጥረ ገንዘብ /ሰርቲፋይድ ለተር 10000 /ዓሰርተ ሽሕ ብር/ የትሕዙ

➢ ጨረታ ሰዓርቲ በቲ ዝሰዓርዎ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ሒሳቦም ከፊሎም ንብረቶም የልዕሊ እንተዘየልዒሎም ንጨረታ መክበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ኮይኑ ንካልኣይ ጨረታ ብምውፃእ እቲ ንብረት ይሽየጥ፤

➢ ጨረታ ፖስታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ብምግባር ካብ እቲ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይከኣልን፤

➢ ጨረታ ዕለት 11/09/2017ዓ/ም ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

➢ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ሓፈሻዊ መቐለ ሆ/ል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብምምሕዳርን ዘዳለዎ ቦታ ይከውን፣

➢ ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብንረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ይወስዱ፣

➢ ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት መብርሂመመሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ቅድሚ ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይከውን

➢ እዚ ምልክታ ተጫረትን መቐለ ሆስፐታልን ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግል

➢ ኣብ ዝርዝር ዘይተገለፀ ንብረት ብስምምዕነት ምውሳክን ምቕናስን ኣብ ዝርዝር ዝተገለፀ ንብረት ክስረዝ

ከምዝክእል፣

➢ ተጫረተ ዝጫረትዎም ንብረታት ብዓይነት ከፋፊሎም ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም በዝሒ ናይ ሓደ ዓይነት ኣቕሓ ግና ከፊልካ ቐናኒስካ ምውድዳር ኣይክእልን

➢ ሆ/ልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ!

➢ ካልእ ኣብዚ ምልክታ እዚ ዘይተገለፁ ረቓሒታት ብመምርሒ መሰረት ተገዛኢ ዝኸውን ተጫራታይ፡፡

ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን

➢ ናይ መርኣይ መዓልቲ ዕለት 8' 9' ድሕሪ ሰዓት 8:30 ክሳብ 10:30 ዘሎ ግዘ ብኣካል ብምቅራብ ክሪኡ ይክእሉ ከምኡ ድማ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዕለት 11 ካብ 3:00 ክሳብ 5:00 ብኣካል ምርኣይ ይክእሉ