https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17081
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ንሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ብመደበኛ በጅት መሳርሒ ፅሕፈት: ኤሌክትሮኒክስ: ናይ ፅሬት ኣቅሑት: ናይ ቢሮ ኣቅሑት: መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና: መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 23, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 15, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ሳርሒ ፅሕፈት: ኤሌክትሮኒክስ: ናይ ቢሮ ኣቅሑት: መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና: መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል 7000 ቅርሺ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት 1000
  • ቦታ:ኣላማጣ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 15, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት : ንመሳርሒ ፅሕፈት: ኤሌክትሮኒክስ: ናይ ፅሬት ኣቅሑት: ናይ ቢሮ ኣቅሑት: መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና:  መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል  ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን : ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን ናይ ተወሳኪ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእተ ከቅርብ ዝክእል

2 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ብምክፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

3 ሰዓራይ ተጫራቲ ዝሰዓሮም ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ከርክብ ዝክእል

3 እቲ ጨረታ ካብ 27/8/2017 ዓም ክሳብ 15/9/2017 ዓም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ሳንዱቅ 15/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ይክፈት

5 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

6 መክበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት: ኤሌክትሮኒክስ: ናይ ቢሮ ኣቅሑት: መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና:  መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል 7000 ቅርሺ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት 1000 ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእልን

7 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ዝብል መፍለይ ብፅሑፍ ብምግባር ክሳብ ዕለት 15/9/2017 ዓም ሰዓት 3:30 አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ኣብ ከተማ ሞኮኒ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእል

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ  0948447664  / 0945107981 / 0914047428