
ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ
ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ምግቢ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፋላለዩ ናይ እንቋቁሖ ግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ
ክትሳተፉ ይዕድም።
1 ) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን(ቲን ናምበር) ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላዪ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።
2 ) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንፁር ዋጋ መሊኦም ከቅርቡ ኣለዎም።
3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ
ዕለት 21/08/2017ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 27/08/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።
4) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፤ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።
5) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 27/08/2017 ዓ/ም ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 ይክፈት።
6) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 ( ሓደ ሚኢቲ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ርPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።
7) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚእትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።
8) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፀሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።
9) ተጫረቲ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2017 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ።
10) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።