https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17064
ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ን2017 ዓም ንሴክተራት ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ግልጋሎት ዝዉዕል ቀዋሚን ሃላቅን ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 21, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 5, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 5, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘርፊ ናይ ን 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይቲ ትካል ባዕል ዋና ሕጋዊ ማሕተምን ፊርማን ተገይሩሉ ዋና ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ቫት ዲክለሪሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ ምልክታ ካብ ዕለት 20/8/2017 ዓም ክሳብ 5/9/2017 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ኮይኑ እቲ ጨረታ 5/9/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት

7 ተወዳደርቲ ወይ ወከሎም እንተዘይተረኪቦም ንምክፋት ኣይክልክልን

8 ጨረታ መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ዝከኣል ምካኑ ንሕብር

10 እቲ ምልክታ ጨረታ መክፈቲ መዓልቲ ቀዳምን ሰንበትን ወይ ድማ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

11 ሰዓራይ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ብናይ ባዕሉ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈትና እታዊ ክገብረ ዝክእል

12 ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝወፀ ጨረታ ቅድሚ ዉዕሊ ምእሰሩ ኣብቲ ዝወፀ ጨረታ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ