https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17062
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ዓዲግራት ንናይ ቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሲኖትራክ ዓባይ መከና መለዋወጢ ኣቅሑት ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድይ ግልጋሎት ክረክብን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 21, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 5, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 5, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኵም ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ናይ መጋቢት ጥሪ 2017 ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚርኩም ከሳብ 20/8/2017 ዓም ክሳብ 4/9/2017 ዓም ሰዓት 11:00 ጥራሕ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን ፋይናንስን በጀት ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ሲኖትራክ ዓባይ መከና መለዋወጢ ኣቅሑት 5000 /ሓመሽተ ሽሕ ቅርሺ / ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብባንኪ ዝተረጋፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ከትሕዙ አለዎም

7 ሳንዱቅ ጨረታ 5/9/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ተጫረቲ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም ንምክፋትግን ዝዓግቲ ነገር ኣይህልዉን

8 ዝምልእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

9 ኣብቲ ዝምልእ ዋጋ ብዝዓብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝምለእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግብር

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝቁፀር ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ካልአይ ደብሪ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተም ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብር አለዎ

13 ካብዚ ወፃኢ ዝኮነ ይኩን ሕቶ ቤት ፅሕፈትና ዘይተኣናግድ ምካኑ ነፍልጥ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881