https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17033
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ማለት እዉን ቀዳማይ ናይ እስቲድዩ ኣክሴቲክ ፅገና ጣዉላ ማዕፆን : ክልተ ናይ ምድሪ ቤት ምንፃፍ :ናይ ቀጥታ ፈነዉ ቀረፃን መሳርሒ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 16, 2017 ( ቅድሚ 11 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 28, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 28, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መጋረጃን ምንፃፍን/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/ ስራሕቲ ኣልሙኒየምን ኣቁሑትን/

1 ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ፡ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክሊር ዝገበርሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 50000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋፀ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 16/8/ 2017 ዓም ክሳብ 28/ 8/2017 ዓም ዘይምለስ 400 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ደኩመንት ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ትካል ዘዳለወ ስፐስፊኬሽ መሰረት ብምግባር ብናይ ባዕልኩም መዓቀኒ ቴክኒካልን ፋይናንሻል መሊእኩም ብሽምዒ ብሽምዒ ዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 408 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 16/8/ 2017 ዓም ጀሚሩ ንተከታታሊ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 28/ 8/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ደብሪ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ኣዳራሽ ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ሰሪሑ የረክብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410644 /46