https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17007
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ጣብያ 02 ንዝዳለወ ናይ ሰፍር ልምዓት ፕላን ማለት እዉን NDP ካብ ዝተዝተሓዘሉ ካብ ካፒታል በጀት ኣብ ናይ ዴሌት መገለፂ ተመልሚልኩም ዝሐለፍኩም ኣማከርቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 10, 2017 ( ቅድሚ 11 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 16, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:400
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 16, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኢንጅነሪንግ ዝዛመድ ኮንሳልታንሲይ/

1 ናይ ዘመኑ እዋናዉ ግብሪ ዝከፈልኩም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መረዳእታ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም መረዳእታን ቅድሚ እዚ ጨረታ ምክፋቱ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘፍለጥክምሉ ከምእዉን ናይ ቀረባ እዋን ናይ ሰለሰተ ወርሒ ኣታዊ ዝገብርክምሉ መረዳእታን ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ጨረታ ካብ ዝትጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሚያዝያ 6 ክሳብ 15/8/2017 ዓም ሰዓት 11:00 ዘይምለስ 400 ቅርሺ እናከፈልኩም ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ  ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቀዳማይ ደብሪ ክፍሊ ቆፅሪ 102 እናመፃእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

7 መከበሪ ጨረታ ናይ NDP ማለት ሰፍር ልምዓት ፕላን ግልጋሎት ምክሪ 20000 ቅርሺ ብቤት ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ስም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ አለኩም

8 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 መዓልቲታት ሰሪሑ ወዲኦ ከቅርብ አለዎ

9 ሳንዱቅ ጨረታ 16/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣበ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም እዉን ንምክፋት ዝዓግቶ ነገር የለን

10 ዝምላእ ሰነድ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ

11 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዝዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግብር

12 ኣብ ነብሰ ወከፍ እቲ ሰነድ ማህትምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግብረሉ ይግባእ

13 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክንካል ዋናን ቅደሕን በበይኑ ዓሺጉ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር አለዎ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914765330  0920761693