https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16982
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መሐከሚ ኪኒና ( Aqua tab ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 8, 2017 ( ቅድሚ 11 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 21, 2017 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 21, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኬሚካልን ሪኤጀንት/

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መሐከሚ ኪኒና ( Aqua tab ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ኣብቲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኸእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁዕሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኸእሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ቁፅሪ፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 07/08/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 21/08/2017 ዓ.ም እዮ :: ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን ። ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 21/08/2017 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ተተረኪቡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ::

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ

ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን።

9. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡