https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16972
ደስ ጀነራል ትሬዲንግ ኃ/የተ/የግል ማህበር ናይ ፒፒ ራፍያ ተረፍ ምህርቲ (እስክራብ) ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ሰለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 7, 2017 ( ቅድሚ 11 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 18, 2017 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ሚያዝያ 19, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ናይ ፒፒ ራፍያ ተረፍ ምህርቲ (እስክራብ) ግልፂ ጨረታ

ደስ ጀነራል ትሬዲንግ ኃ/የተ/የግል ማህበር ናይ ፒፒ ራፍያ ተረፍ ምህርቲ (እስክራብ) ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ሰለ ዝደለየ ክትወዳደሩ ትደልዩ ተጫረቲ ዝስዕብ ረቆ እተማልኡ ምኮንኩም ምፍላጥ ይምልከት፤

1. ዝተሓደሰ ናይ 2017 ዓ.ም ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ቫት ዝተመዝገበሉ ሰርቲፌኬት ከቅርብ ዝክእል

3. ቲን ሰርቲፌኬት ከቅርብ ዝክእል

4. ናይ መቅረቢ ሰነድ ተማሊኡ ካብ ዕለት 8/8/2017- 18/8/2017 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ስዓት ክተእትው ትክእሉ::

5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/8/2016 ዓ.ም 11፡00 ተዕዕዩ 19/8/2016 ስዓት 4፡00 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ እንተዘይተረኪቦም እውን ጨረታ ምክፋት ኣይታኣጎጎልን፡፡

6. መለክዒ ኪግ ስለዝኮነ እቲ ዋጋ በዚ መሰረት ክቀርብን መቅረቢ ሰነድ ማሕተምን ፌርማን ዝዓረፎ ክከውን አለዎ፡

7. ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝታሓለወ እዩ፡፡

➢ ዝኮነ ዓይነት ጠያቄ አንተሃሊዎም በዚ ዝስዕብ ስ.ቁ ምሕታት ይካአል 0911023396 ወይ 0914396762

ኣድራሻ መሰቦ አከባቢ ቅድሚ ዊነር ፋብሪካ ወይ ድሕሪ ኣብሲንያ ፍብሪካ