https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16921
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ መጋረጃ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 29, 2017 ( ቅድሚ 11 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 1, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 1, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መጋረጃን ምንፃፍን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ መጋረጃ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ IOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ጥሪ ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ደረሰኝ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር።

9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

12. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 01/08/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡