https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16819
ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ከይዲ ሰራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ብናይ ከተማ ዉሽጢ ኣታዊ ሐድሽ ተፋሰስ ስራሕ ካብ ዕደጋ ቀበሌ 01 ናብ ነባር ተፋሰስ ቀበሌ 01 ብተወሳኪ እዉን ካብ ሓድሽ መንደር 2016 ዓም ዝተሰርሐ ተፋሰስ ናብ ሮቦ ሑጋ ዝስርሕ ብደረጃ 8 ደቂቅ ንግዲ ትካል RC ወይድማ GC ብብርኪ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ዉልቀ ኮንትራክተራት ወይድማ ኮንስትራክሽን ሽርክና ማሕበራት ደኣንት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 16, 2017 ( ቅድሚ 12 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 3, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:2000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 3, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መንገዲን ድልድልን ስራሕቲን/

1 ሕጋዊ ናይ ሰነድ ዘለማልአኩም ጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 12/7/2017 ዓም ሰዓት 230 ጀሚሩ ክሳብ 2/8/2017 ዓም ሰዓት 11:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት እቶት ዘይምለስ 2000 ብር እናከፈልኩም ናይ ዝከፈልክምዎ ቅብሊት ወረቀት ብምሓዝ ናብ ከይዲ ሰራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 207 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ብመዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም

2 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 3/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ግዜ ድማ 3/8/2017 ዓም ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ይከዉን

3 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ