https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16812
ቢሮ ፋይናንስ ምትሕብባር ሃፍትን ንዳ/ዳ/ምም/ር ፋይናንስ መንግስቲ ካብ One Wash በጀት ዝክፈል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 15, 2017 ( ቅድሚ 12 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 17, 2017 10:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 18, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ዋጋ መቅረቢ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 23/2017 ዓ/ም

ቢሮ ፋይናንስ ምትሕብባር ሃፍትን ንዳ/ዳ/ምም/ር ፋይናንስ መንግስቲ ካብ One Wash በጀት ዝክፈል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉፋ ትኽእሉ/ላ

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

1. ናይ ዘመኑ 2017 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፡፡

2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ፣

3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪTIN/ ዘለኩም፡

4. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ዘለዎ፣

5. 2% withholding tax ክኸፍል ዝኽእል"

6. ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ እቲ ዝድለ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ክተቅርቡ ትኽእሉ ነጋዶ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቁፅሪ /TIN/ መለለይ ቁዕር ኹምን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽም፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 15/07/2017 ዓ/ም ክሳብ 17/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ክተቕርቡ ክትወዳደሩ ትኸእሉ፡፡

7. እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 18/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ይክፈት"

8. ሳዓርቲ እተቅርብዎ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ቅቡልዝግበር ብናይ ቢሮና ICT ብዘተጠየቀ ሰፐስፊኬሽን ምካኑ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይከውን::

9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 07 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን::

11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914775963 ደዊልኩም ምሕታት ይኸእሉ፡፡

ተ.ቁዝድለ ዓይነት ንብረት Materialመፍለይ ቁዕሪመዐቀኒበዝሒነፀላ ዋጋመብርሂ
ብርሳ
1Lap TopAttach Specificationብቁዕሪ01