https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1678
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ንአብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል አቁሑት ቢሮ : አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 18, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 1, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 1, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2008ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ Tin /ቲን ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ ናይ መቅረባይ መረጋገፂ ዘቕርብ::

2 ናይ መጋቢት 2008 ዓ/ም ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእልን ቫት ተመዝገብቲ

3 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ት/ፋ/ክ/ከ ሰሜን ዘይመለስ ብር 50.00 በምኽፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛእ ይካኣል::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ Â (ሲፒኦ) ናይ ኤሌክትሮኒከስ ኣቁሑትን 3000 ብር ናይ ፈርኒቸር 3000 ብር ከትሕዝ ዝክእል /ትኽእል::

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 16/09 /2008 ዓ/ም ክሳብ 1/10/2008ዓ/ም ከይኑ ጨረታ ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 1/ 10 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት አብቲ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብዘለዉዎ ይኽፈት

6 ሰዓራይ ምስተነፀረ አብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

 ኣድራሻና ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሰሜን ኮይኑ ፊት ንፊት ሄራን ሆቴል/ሆስፒታል መቀለ መዕፀፊ ምፅእ ኢልካ/ ::

 ንተወሲካ ሐበሬታ ብስልኪ 0914031563/ 0920433146 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መኽፈትን በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን