https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16742
ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክሰ አቁሑት ኣቁሑት ብምልጣፍ ዝወፀ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 4, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 8, 2017 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 9, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -25

ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክሰ አቁሑት ኣቁሑት ብምልጣፍ ዝወፀ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 04/07/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 08/07/2017ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 09/07/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን።

• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

• ኣብዚ ፕሮፎርማ መማረፂ ንብረት ምቅማጥ አይፍቀድን

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ፣፣

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ ዕደጋ ክፍሊ

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል ።