https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16721
ቢሮ ማይን ኢነርጀን ክልል ትግራይ ንምሕደራን ቑፅፅርን ሃፍቲ ማይ ግልጋሎት ዝዉዕል ነዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊፁ ዘሎ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 2, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 5, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 5, 2017 03:10 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ማይን ኢነርጀን ክልል ትግራይ ንምሕደራን ቑፅፅርን ሃፍቲ ማይ ግልጋሎት ዝዉዕል ነዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊፁ ዘሎ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተ.ናይ ኣቕሓ ዝርዝር (Description)መፍለይ ቑፅሪ/Speficationመዐቐኒ (Unit)በዝሒነፀላ ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1Toshiba Laptop BatteryModel PA 5485PCS01


ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሓታት

1. ተወዳደርቲ ናይ 2016/17 ዓ//ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን /TIN/ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ምስቲ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡ እቲ ዝቐርብ ዶክመንት ዝረአ ክከውን ኣለዎ ዘይረእ እንተኮይኑ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።

2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፌርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም ፡፡

3. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ(ቅጥዒ)አብ ሞንጎ ቢሮናን ሰዓራይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

4. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝን መራገፍን ናብ ቢሮ ማይ ኢነርጂን ስቶር ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።

5. ተወዳደርቲ እትጫረትሉ ዋጋ ካብ ቢሮና ብዝወሰድክምዎ ቅጥዒ ወይም ብናይ ባዓልኹም መሊእኹም ክተቕርቡ ይግባእ፡፡

6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ምቕራብ ይኸእሉ።

7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 05/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:10 ኣብ ነባር ቢሮ ማይን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ኣብ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 13 ዝርኸብ ይኽፈት፡፡

8. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡ 

9.ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914138905/0914032454 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ ::