https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1670
ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ቪድዩ ካሜራ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 16, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 26, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 26, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

Â

ስለዚ እቲ ዝተጠቐሰ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝኸፈልሉ መረዳእታ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ::

2 ኣብ ቢሮ ፋይ/ ኢኮ /ልምዓት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

3 ቫት(VAT) ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ኣብ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

5 ናይ ወርሒ ጥሪ /2008 ዓም ዲክለረሽን ከቅርብÂ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንኩሎም ዓይነት ንብረት ቢድ ቦንድ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝኽእል::

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩመንት ካብ ኮሚሽን ቢሮ ቑፅሪ 268 ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረት ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ካብ ዕለት 15/09/2008 ክሳብ 26/09/2008 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ግን ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዕለት 26/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቐትሪ ዝዕፆ ይኸዉን::

8 ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ቐትሪ ይኽዉን::

9 ኹሉ ጨረታ ተወዳዳራይ ኣብቲ ዝተነፀረ ግዜ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

10 ጨረታ ብሸምዒ ዝተአሸገ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር የቅምጥ::

11 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስርሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

12 ሰዓረይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽንና ኸቕርብ ዝኽእል::

13 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑ ንቐፃሊ ኣብ ዕዳጋ መንግስቲ ንከይሳተፍ ከምዝግበርን ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ከምዝዉረስን::

14 እቲ ኮሚሽን ዝሐሻ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኹን በሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዘ መሰሉ ሕልዉ ምኻኑ

15 ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይንሉ::

16 አብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኾኑ ሐሳባት ብመብራህርሁ ብፅሑፍ ምሕታት ከምዝከአል::

17 ንተወሳኪ ሐበሬታ አበ ኮሚሽና ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቐፅሪ 268 ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344 404417 ምሕታት ይካኣል::
Â