https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16620
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ጎማን ባትርን ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 21, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 24, 2017 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 25, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ጎማን ባትርን ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡ ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል ።

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 20/06/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 24/06/2016 ዓ/ም 11፡00 ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 25/06/07 ዓ/ም ሰዓት 03:30 ይኸፈት ፡፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽ ኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ፡

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡

ሪጋዝርዝርዓይነት ንብረትድሌት መግለፂመለከዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋቤት ፅሕፈት
1ናይ መኪና ጎማ ምስ ካላማደርያኡ7.50 R16m755ቁፅሪ5ምልሻ
2ባትሪ70 ኣምፒርቁፅሪ01ምልሻ
3ፊልትሮ ዘይቲናይ ማዝዳቁፅሪ05ምልሻ
4ፊልትሮ ናፍጣናይ ማዝዳቁፅሪ05ምልሻ
5Oil filter90915-yzzd2ቁፅሪ01ደኣንት
6Fuel filter23300-01041ቁፅሪ01ደኣንት