https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16567
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ምልሻ ቤት ፅሕፈትን ጥርዓን ሕብረተሰብ ምስማዕ ዉሳነ ምሃብን ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ስፔር ፓርት : ጎማ መኪናን ባትሪን: ፅሕፈት መሳርሒን : ፅሬት መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 15, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 4, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:ዞባ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 4, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2017 ዓም ኣግባብነት ዘለዎ ፈቃድ ንግዲ ዘቅርብ

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መታወቂያ ዘቅርብ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ቫት ዝተመዝገበ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 30 /2017 ዓም ዲክለራሽን ዘቅርብ

4 ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ ቢሮ 36 ይከዉን

5 ተጫረቲ ዘይመለስ ንመኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ስፔር ፓርት: ፅሕፈት መሳርሒን 100 ብር: ፅሬት መሳርሒ 50 ብር : ናይ መኪናን ጎማ ባትሪን 100 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ሰረሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ ቢሮ 36 ምዉሳድ ይክእሉ እዩም

6 ዝተሐዝ መከብሪ ጨረታ ምስ ሰዓረ ንዘይሰዓሩ ሽዑ ንሽዑ ዝምለስ ኮይኑ ንዝሰዓረ ዉዕሊ ምስኣሰረ ዝምለስ እዩ

7 ተጫረቲ ኣሽነፍቲ ዝኮኑ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስሩ ይክእሉ

8 ተጫረቲ መክበሪ ዉዕሊ ንዝሸነፉ 10 ሚእተዊ ብስፒኦ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

9 ተጫረቲ ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ዝገብሩ ይኮኑ

10 ጨረታ ክፍቲ ዝኮነሉ ካብ ዕለት 14/6/2017 ዓም ክሳብ 4/7/2017 ዓም ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ ምኮንኩም ንሕብር

11 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 4/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ይከዉን ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ 4/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914376321 0923456959