https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16533
ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም ንዝተፈለላዩ ሃለቅትን ቀወምትን ኣቅሑት ኣልባሳት : መሳርሒ ፅህፈት : ኣቅሑት ፅሬት ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 10, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 25, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ንኣልባሳት 25000 ቅርሺ :ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ :ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:ኣልባሳት 500 ቅርሺ : ንፅህፈት መሳርሒ 200 ቅርሺ : ንኣቅሑት ፅሬት 100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 25, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእልን

2 ዝተሐደሰ ወረቅት ምስክር መቅረባይነተ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእልን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ጨረታ ሰዓርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብፅሬትን በዝሕን ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅ ፖሊስ ክልል ትግራይ ፈልጋ ደዕሮ ካምፓስ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመለአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 20 መዓልቲታት ይከዉን

6 ብተወሳኪ እዉን ንነብስወከፍ ንበረት ዝመልእዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝወዳደሩ ምካኖም ተወሳኪ እሴት ታክስ የዉስከ ወይድማ የቀንስ ዝብል ሓሳብ መብርሂ ተቀባልነት የብሉን

7 ተጫረቲ ንኣልባሳት 500 ቅርሺ : ንፅህፈት መሳርሒ 200 ቅርሺ : ንኣቅሑት ፅሬት 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማ ምስ ስልኪ ቁፅሪ ክገልፅ ዝክእል ካብ 10 ክሳብ 25/6/2017 ዓም ሰዓት 400 ረፋድ ኣብ ኮሎጅ ፖሊስ ትግራይ ፈልጋ ደዕሮ ካምፓስ ዝርከብ ቦታ ናይ ጨረታ ሰንዱቅ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕ ብምፍልላይ ከእተዉ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 25/6/2017 ዓም ሰዓት 400 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

9 ተጫረቲ ዉሕስና ጨረታ መከበሪ ንኣልባሳት 25000 ቅርሺ :ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ :ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

10 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ንብረት ብ 25 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0932726006  0973536523