https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16490
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 4, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 6, 2017 10:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 7, 2017 02:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ቑ/ፕሮ-40

ቑፅሪ ዕክንም903/2-3/1/01

ዕለት-04/06/17ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት .

1. ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረብቲ ዝተመዝገብኩምሉ መረጋገፂ ቲን ናምበር ሰለሰቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ተቕርብዎ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ ብፓስታ ኣሺኩም ንዕለት 06/06/17ዓ.ም ሰዓት 10:30 ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ:: ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 07/06/17ዓ.ም ሳዓት 02:30 ዝኽፈት ምዃኑ ንገልፅ::

2. እቲ ዝቐርብ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፐስፊክሽን መሰረትን ኦርጅናልን ክኸውን ኣለዎ

3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ – ኣብ ውሽጢ 3' ተካታታሊ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቅርብ ዝክእል

4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተረክቡ ትኽእሉ ምዃንኩም አረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳዓራይ ምስተበሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል አብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸዉን

5. አብ ዘይምልከቶ ዘርፊ ንግዲ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር

6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7 ስራሕ መዓልታት ጥራሕ ይከውን

7. እቲ ጊዚያዊ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ በዝሒ ምቕናስ ውይ ምውሳኽ ከምኡ 'ውን ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8. ንዝድለ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0344-406451/0914732577 ምሕታት ይካአል

ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ

ዓይነት ንብረትመጣለፂመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋሞዴል
ብርሳንብርሳን
1Alternator assy27060-51010set01v-8

ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ