https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16364
ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልልት ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ GSF ብዝተረከበ በጀት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ናይ ሃንድ ፓንፕ ማለት እዉን ታሓቆና ማይ ኣቅሑት ብክልል ብርኪ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 16, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 29, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 29, 2017 03:15 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ዓይነት ንብረት ናይ ሃንድ ፓምፕ ማለት እዉን ታሓቆና ማይ ስፔር ፓርት ፍሉይ ቦታ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ በዝሒ ኣብ BOC ዘሎ ዝርዝር መሰረት

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ በቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ: መቅረባይነትን ሰርተፊከት: መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበርን : ናይ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቅት ምስክር : ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 እሴት ታክስ ዲክለረሸን ዘቅርብ

2 ዝተዳለወ ዝርዝር መረዳእታ ማለት እዉን እስፔስፊኬሽን ካብ 15/5/2017 ዓም ጀሚሩ ካብ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሰድ ይከኣል

3 ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ክቢ ማህተም ክዓርፎ ይግባእ

4 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ከትሕዙ አለዎም

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 29/5/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:15 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክኒካልን ሐደ ዋና ፋይናንሻልን ሰነድ ነኒበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ከምእዉን ሐደ ቅዳሕ ቴክኒካል ክልተ ቅዳሕ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ሰነድ ብምቅራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዋና ቅዳሕን ተባሂሉ ብግልፂ ከቅርብ አለዎም

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪብዎ ነቲ ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙኩእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ናይ ጨረታ መክፈትን መዕፀዉን በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበረታ ብቁፅሪ ስልኪ  0952270027 0920326084 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል