https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16346
ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ መኪና ፍል ፍልተር ፣ስልከን ናይ ዝተፈላለዩ ኤሌትሮኒክስ ፅገና ብፕሮፎርማ ኣወዳድሩ ክዕድግን ከፅግን ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 15, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 19, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 19, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ቁፅሪዕ/ፋ/ን/ም/ር/6006/17

ዕለት15/05/17ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ መኪና ፍል ፍልተር ፣ስልከን ናይ ዝተፈላለዩ ኤሌትሮኒክስ ፅገና ብፕሮፎርማ ኣወዳድሩ ክዕድግን ከፅግን ስለ ዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ይዕድም፡፡

❖ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክሳተፍ (ክዋዳደር) ዝደሊ ተወዳደሪ መቅረባይ

➢ ንግብረ ከፈልቲ ዝውሃብ መለለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለዎ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፡፡

➢ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዋ

➢ በቲ መቅረቢ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ መሊኡ ካብ ዕለት 15/05/17ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/05/17ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቕ ፕሮፎርማ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

➢ ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 19/05/17ዓ/ም ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

➢ ፕሮፎርማ እንትኽፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪል እንተተረኺቡ ይምረፅ፡፡

➢ እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል እቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

❖ ኣድራሻ ዕዳጋ ቀዳም ከይበፃሕኻ ኢፍ ካፌ ንምዕራብ ገፅ ተዓፅፍካ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-87-55