https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16325
አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ አለክትሮኒክስ አቁሑት ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 14, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 16, 2017 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ጥሪ 17, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ፕሮፎርማ ቑፅሪ -20

አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ አለክትሮኒክስ አቁሑት ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: 

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም::

• ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነትን ዘለኩም::

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/ሸ/መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል::

• ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/መሊኦም ከቅርቡ አለዎም::

• መቅረብቲ ካብ ዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ክሳብ 16/05/2017 ሰዓት 11: 30 ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ትክእሉ ::

• ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 19/05/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት::

• እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ንምክፋት ዝዓግቶ የለን::

• ተጫረቲ እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም::

• ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

• ኣድራሻና ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረት::

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ስዓት ምድዋል ይካኣል::