https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16306
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፈርኒቸር :ብረታ ብረትን :ኤሌክትሮኒክስን ን2017 ዓም ግልጋሎት ዝዉዕል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥሪ 10, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 23, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:35000
  • ቦታ:ራማ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 23, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ንናይ ፈርኒቸርን ብረታ ብረትን ናይ ደኣንት ሰርተፈኬት ናይ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካል ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ዘለዎ ቫት ሰርትፊኬት ዘቅርብ ቫት ሪፖርት ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዘቅርብ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

3 መክበሪ ጨረታ ብር 35000 ከትሕዝ ዝክእል

4 ንናይ ፈርኒቸርን ብረታ ብረትን ብቅዓት መረጋገፂ ደረጃ ሐደ ዘለዎ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

5 መቅረባየነት ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ዘለዎ

6 ሰነድ ጨረታካብ ምምሕዳር ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት 5/5/2017 ዓም ክሳብ 22/5/2017 ዓም ክትወስዱ ትክእሉ

7 ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ንናይ ፈርኒቸርን ብረታ ብረትን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ድማ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣጎዓዒዙ ናብ ከተማ ራማ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝገብር

9 ጨረታ 23/5/2017 ዓም ሰዓት ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

10 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምህላዎም ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943711585  / 0914185163