https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16280
ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣጋኣዚ ዓዲግራት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 8, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 12, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 12, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ : መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረናይነት ዘለኩምን : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን :ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል :በቲ ዝቀረበ መዓቀኒ ረቆሒ መሰረት ንብረት ከቅርብ ዝክእል

2 መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ዝክእል 15000 / ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከቅርብ

3 ሰነድ ጨረታ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 5/5/2017 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ከሳብ 12/5/2017 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣጋኣዚ ዓዲግራት ምዉሳድ ይከአል

4 እቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ጨረታ ብክልተ ቅዳሕ ተዳልዩ ክሳብ 12/5/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ንዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

5 ሳነዱቅ ጨረታ 12/5/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ነሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዘይምህላዎም ግን እቲ ጨረታ ነዘይ ምክፋት ግዴታ ኣይከዉንን

7 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ከተማ ዓዲግራት ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ከቅርቡ ይግባእ

8 እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በቲ ጨረታ ኣይግደድን

ንተወሳኪ 0914723151 ይደዉሉ

መተሐሳሳቢ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዘይተገዝአ ሰነድ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ምካኑ ብጥብቂ ነፍልጥ