https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16198
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ-ከተማ ዓይደር ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪኒክስ አቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ስለ ዝደለና
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 24, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 2, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 2, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ-ከተማ ዓይደር ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪኒክስ አቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ስለ ዝደለና ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንተማልኡ ተጫረቲ ክትውዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን/tin/ ቁፅሪ ዘቅርብን መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎን ፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ስፕስፊኬሽን ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/04/2017 ዓ/ም ክሳብ 02/05/2017 ዓ/ም ዘይምለስ 100 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምውሳድ ይክአል

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 02/05/2017 ዓ/ም ስዓት 8፡30 ናይ ድሕር ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት ተዘይሃልዮም ዉን ኣብ ወሽጢ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ይክፈትን ይግምግምን ፡

4. ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 5000 /ሓሙሸተ ሽሕ ብር/ ካብ ባንክ ዝትረጋገፀ ብሲፒኦ /ጥር ገንዘብ /ከትሕዝ ይኽእል።

5. ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒን ዝትዓሸገ ፖስታ የቅርብ

6. ስዓራይ ምስዓሩ ምስፈለጠ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ውዕሊ ይአስር ።

7. ቤት ዕሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሓለወ እዩ።

8. ኣድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሐተዋይ በሪ ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914096890 ደዊልካ ምሕታት ይከአል፡፡ 

11. ብናይ ባዕሉ ትራንስፖር ናብ ቤት ፅሕፈትና ዝሰዓሮ ንብረት የቅርብ።