https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16145
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ብናይ ሴፍትኔት በጀት ዝተረከበ ንሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕል ዉፅኢት ማዕድን ብፕሮፎርማ (SHOPPING) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 17, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 23, 2017 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:Atsbi
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 23, 2017 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን/

ንተጫረቲ ኩሉ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ብናይ ሴፍትኔት በጀት ዝተረከበ ንሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕል ዉፅኢት ማዕድን ብፕሮፎርማ (SHOPPING) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት

1. ተጫረቲ ናይ 2016/2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬትን ቲን ናምበርን ዘለኩም

2. ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክኮን ይግባእ

3. ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ምኳኖም

4. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝከውን ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO 10000.00 ብር

5. ተጫረቲ ንብረት ዝቀርበሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ይከውን

6. ተጫረቲ እቲ ዝምልእዎ ዋጋ ናይ መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ኣለዎ

7. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሽሞም፣ ፊርሞኦምን ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ

8. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እውን ዝተማልአ ደኩመንት ኣብ ዝቀርበሉ ይኸፈት

9. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር

10. እቲ ውድድር ITEM by ITE መሸነፋይ ይከውን

11. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 15 መዓልቲ ይኸውን።

12. ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 16/04/2017ዓ/ም-23/04/2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ይከውን

13. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/04/2017 ዓ.ም ኮይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡00 ተዓሸጉ 5፡30 ይክፈት

14. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡