https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16132
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝውዕለ ዝተፈላለዪ ናይ መኪና እስፔር፡ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 15, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 16, 2017 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ታሕሳስ 17, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 04/2017

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝውዕለ ዝተፈላለዪ ናይ መኪና እስፔር፡ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ አብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዪ ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሰፈርት ክተማልኡ ትክእሉ ማለት

1) ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ብቲ ዘርፊ ዘለኩም ፡ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪን

2) አብ ናይ መንግስቲ ንምውድዳር መቅራባይነት ሰርትፊኬት ዘለኩም::

3) ተወዳደርቲ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፈርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ንኤጅንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ምምሕዳርን ካብ ዕለት 14/04/2017 - 16/04/2017 ዓ/ም ናይ ምሸት ስዓት 11፡30 ናይ ስራሕ ስዓት አብ ዘሎ ግዜ ክተቅርቡ ትክእሉ::

4) ፕሮፍርማ ዕለት 17/04/2017 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ስዓት 3፡30 ስለ ዝክፈት መፂኩም ክትሳተፋ ትክእሉ ምካንኩም ነፍልጥ::

5) ቫት ዝተመዝገብኩም ዊዝ ሆልዲንግን 2%ን ቫትን 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቆሪፁ ዝተርፍ ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ::

6) ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ::

7) እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል::

8) እቲ ዝርዝር አቁሑ መፂእካ ምውሳድ ይከአል

ኣድራሻና ኣብ 17 ቀበሌ ዕዳጋ ብዕራይ ጥቃ እንዳገብሪኤል ቤተክርስትያን::Tel: 0342415092