https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16104
ዓዲግራት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ንቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት ሐደ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ሎት ክልተ ፅሬት ኣቅሑት ሎት ሰለሰተ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ሎት ኣርባዕተ ግላገሎት ጋራጅ ናይ መካይን ሎት ሓሙሽተ ሕትመት ሎት ሽድሽት ናይ ሕሙማት ምግቢ ሎት ሸዉዓተ ናይ ሕሙማት ምግብ አስቤዛ ሎት ሸሞነት ናይ ሕሙማት ምግቢ ስጋ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 11, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 25, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ት ሐደ ሎት ክልተ ሎት ሰለሰተ ሎት ኣርባዕተ ሎት ሸዉዓተ ሎት ሸሞንት ብር 6000 ቅርሺ ሎት ሓሙሽተ ሎት ሽድሽተ ብር 15000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 25, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ኣቅርቦት ምግቢ / ፅገና ተሽከርካሪ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1ብዘርፊ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ዕድጊት ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ወይ እዉን ቲን ናምበር ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይ ሰርተፊኬት ቅዳሕ ኣብ ዋና ሰነድ ጨረታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ሎት ሐደ ሎት ክለተ ሎት ሰለሰተ ሎት ኣርባዕተ ሎት ሓሙሽተ ዝተዘርዘሩ ዓይነታት ዘርፊ ዕደጋ ዝጫረተ ነጋዳይ ቫት ተመዝጋቢ ኮይኑ ናይ እዋኑ ቫት ዲክለረሽን ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጅምሩ ክሳብ ዕለት 24/4/2017 ዓም ክሳብ ሰዓት 11:30 ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣቢሉ 100 ብር እናከፈልኩም ካብ ዓዲግራት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ክትጫረቱ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ መከበሪ ጨረታ ሎት ሐደ ሎት ክልተ ሎት ሰለሰተ ሎት ኣርባዕተ ሎት ሸዉዓተ ሎት ሸሞንት ብር 6000 ቅርሺ ሎት ሓሙሽተ ሎት ሽድሽተ ብር 15000 ብባንኪ ዝተረገታገፀ ስፒኦ ወይ እወን ብጥረ ገንዘበ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ዓዲግራት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልከታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ክፍቲ ይከዉን

8 ሳንዱቅ ጨረታ 25/4/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ሰዓት ብተመሳሳሊ ሰዓት ሰዓት 4:30 ኣብ ዓዲግራት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ግና ፊርማ ባዓል ዋና ክዓርፈሉ ይግባእ

10 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማህተም ፊርማን ናይቲ ትካል ክዓርፈሉ ይግባእ

11 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914780668 0920871835