https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16101
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አለማጣ ንሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት :ኤሌከትሮኒክስ :ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ፈርኒቸር : ናይ መኪና ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 11, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 2, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት :ኤሌከትሮኒክስ: ኣቅሑት ፈርኒቸር : ናይ መኪና ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑት 7000 ቅርሺ :ኣቅሑት ፅሬት 1000 ቅርሺ
  • ቦታ:ኣላማጣ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 2, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሳይክል/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነተ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 ንኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት :ኤሌከትሮኒክስ :ኣቅሑት ፅሬት : ናይ መኪና ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑት ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገባን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት ዘለዎን

4 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል እዚ ምልከታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሰዓት ስራሕ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

7 ሰዓራይ ዝኮነ ጫራታይ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዘያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣለማጣ ከረክብ አለዎ

8 እቲ ጨረታ ካብ 11/4/2017 ዓም ክሳብ 2/5/2017 ዓም ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ሳንዱቅ 2/5/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 መከበሪ ጨረታ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት :ኤሌከትሮኒክስ: ኣቅሑት ፈርኒቸር : ናይ መኪና ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑት 7000 ቅርሺ :ኣቅሑት ፅሬት 1000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገነዘብ ከትሕዝ ዝክእል

11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖሰታ ብምግባር ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ብዝብል መፍለይ ብፅሑፍ ክሳብ 2/5/2017 ዓም አብ ሰራሕ ሰዓተ አታዊ ክገብር ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0967172484 0945107981 0914047428