https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16091
ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ መኪና ጎማን ኮንፎርትን ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 10, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 14, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 14, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ቑፅሪ /ቁጥር/ Ref. No : ዕድ/ፋይ/2167/17

ዕለት/ቀን/ 10/04/2017ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ መኪና ጎማን ኮንፎርትን ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ነዙይ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ካብ ዕለት 10/04/2017ዓ/ም ክሳብ 14/04/2017ዓ/ም ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብዝተኣሸገ ፓስታ ናብ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክ/ት ቢሮ ቁፅሪ 268ንክተቕርቡ ንዕድም፡

✓ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዝተሓድሰ ንግዲ ፍቓድ ክተቅርቡ ትኽእሉን፤

✓ ቲን ቁፅሪ (TIN No) ዘለዎን ከትሕዝ ዝኽእል፤

✓ ብመቅረባይነት ዝተመዘብኩም፤

✓ ዘቅርቦም መረዳእታ ነኒሕድ ሕድ ፎቶ ኮፒ ጌሩ ከቕርብ ዝኽእል፤

✓ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ይቁፀር፤

✓ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ኮሚሽንና ብምውሳድ ብናትና መቅረቢ ዋጋ መሊኡ ከቅርብ ይግባእ፤

✓ ፓስታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/04/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 8፡30፤

✓ ፖስታ ዝኸፈተሉ ዕለት 14/04/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 9:00፤

✓ ሰዓረይ ዝኾነ መቕረባይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤

✓ ኮሚሽንና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ፤

ፐሮፎርማ

ኣብ ዝኸፈተሉ ሰዓትን ቦታን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ዝኸእሉ ምዃኖም፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኮምፕሌክስ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 268 ንርከብ፤

ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 44 17 ምሕታት ይኸኣሉ።