https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16074
ትካልና ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናዉቲ ክዳን: ሻርፕ: ንደቂ ኣንስትዩ : መለለይ ክዳን ንዋርዲያ :ካናቲራ ንወራዲያ : ቆርባት ጫማ ንዋርዲያ: ቆርበት ጫማ ንደቂ ተባዕትዩ : ቆርባት ጫማ ንደቂ ኣንስትዩ : ንብየዳ ዝኮን ቆርበት ጋዋን : ብቅልጠፍ ዝክፈት ጫማ ድሕንነት : ቆርባት ጎንቲን ካልኦትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 9, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 1, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 1, 2017 04:15 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2016 ን2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይ እዉን ቲኦቲ ዝተመዝገብሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ቅድም ምክፋቱ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚእታዊ ብመልክዕ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ኣብ ሒሳብ ክፍሊ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ዋጋ መቅረብቲ ሰነድ ጨረታ ብስምሺ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 1/5/2017 ዓም ኣብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ መምርሒ ዕደጋ ቀረብን ከተቅርቡ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ 1/5/2017 ሰዓት 4:00 ናይ ንጎሆ ተዓፅዩ እቶም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 4:15 ናይ ንጎሆ ይክፈት

6 ተጫረቲ ዝተማለአ ሰነድ እንተቅረቢም ዋላ ብአካል ኣይረከቡ ሰነድ ጨረታ ይክፈት

7 ፋብሪካ ስሚንቶ መሶበ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342410085