https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16043
ኣብ ቢሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ ጂሴፍ ብዝተረከበ በጀት ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሰንደዳ ፍሉይ ቦታ ተካ ተስፋይ ዝረገሐ ስራሕቲ መስተ ማይ ዋተር ሳፕላይ ሲስተም ኮንስተራክሽን ዝዉዕል ዕደጋ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 7, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 9, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:500000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:1000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 9, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

ዝደለ ዓይነት ስራሕ : ዝርገሐ ስራሕቲ ማይ መከበሪ ጨረታ ብስፒኦ 500,000 / ሐሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ/ ናይቲ ፕሮጀክት ቦታ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሰንደዳ ፍሉይ ቦታ ተካ ተስፋይ

1 ናይ 2017 ዓም በቲ ዓዉዲ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ : ናይማይ ስራሕቲ ፍቃድ ዘለዎ : ቲን ሰርተፊኬት ዘለዎ ከቅርብ ዝክእል ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ አሰት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ንዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ ናይዚ ዕድመ ብደብዳቤ ብሄራዊ ሬዲዩ ካበ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ ቢሮና ቁፅሪ 11 ካብ ዕለት 9/ታሕሳስ/2017 ጀሚሩ ዘይምለስ 1000 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

3 መከበሪ ጨረታ 500000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒአ ወይ ከዓ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስ ቴክኒካል ጨረታ ሰነድ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 እቲ ጨረታ 9 ጥሪ 2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡ ይክፈት

5 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክኒካልን ሐደ ዋና ፋይናንሽል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ከምእዉን ሐደ ቅዳሕ ቴክኒካል ክልተ ቅዳሕ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ሰነድ ብምቅራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብግልፂ ክፃሓፈሉ አለዎ ከምእዉን ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ አለዎ

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ኣድራሻ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ ንተወሳኪ ሐበሬታ 0975462316

8 መተሓሳሳቢ ናይ ጨረታ መዕፀወኒ መክፍተኒ ዕለት ኣብ ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝፅል መዓልቲ ዝክፈት ይከዉን