https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16011
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ጽሕፈት መሳሪሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከዕድግ ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት ሕዳር 29, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 1, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 1, 2017 04:05 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ጽሕፈት መሳሪሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርት እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ብዘርፉ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል፡፡

5. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ የረክቡ፣፣

6. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 28/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 01/04/2017 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን፡፡

7. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ 0344418556 ወይም 0914-742142 ምርካብ ይከአል እዩ፣፣

ተ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይ ቑፅሪመዕቀኒበዝሒነዋጋጠ/ዋጋሞዴል
ብርሳብርሳ
1Computer paper A4Sinar linePcs200
2Protocol book25 * 35pcs5
3PenAS per samplepkt10