https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/159
መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ /ዝተ /ዉ / ማሕበር ኣብ መስፍን ግቢ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ሌዝ ማሽን ፅራብ ተረፈ ምህርቲ(Left over) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 13, 2007 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል /

                                  ናይ  ጨረታ  ምልክታ
መስፍን  ኢንዳስትሪያል   ኢንጂነሪንግ  ሓላ/ ዝተ/ ዉ/  ማሕበር  ኣብ መስፍን  ግቢ  ዉሽጢ  ዝርከብ ናይ  ሌዝ ማሽን ፅራብ  ተረፈ  ምህርቲ(Left over)   ብጨረታ  ኣወዳዲሩ  ክሸይጥ  ይደሊ :: ስለዚዝደለየ ካብዚ   ንታሕቲ  ዝተዘርዘሩ  ረቆሒታት  ዝተማልኡ  ተጫረቲ  ንኽትሳተፉ  ይዕድም::
                                     ናይ  ጨረታ  መዐቀኒ
1  ተጫረቲ  ናይ   2006 ዓ/ም   ናይ  ስራሕ  ግብሪ  ዝኸፈሉን  ዝተሐደሰ  ንግዲ  ፍቓድ  ምቕራብ  ዝክእሉን ክኾኑ  አለዎም::
2   ተጫረቲ  ዘይምለስ  ሐደ  ዝተሐደሰ  ንግዲ  ፍቓድን ናይ  ግብሪ  ከፋሊ   ምዝገባ  ምስክር   ወረቐት ፎቶ  ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ  ጨረታ ዋጋ   ሸምዒ  ዝተዓሸገ  ፖስታ  እዚ   ምልክታ  ካብ    ዝወፀሉ  ዕለት  20 /10  /2014 ዓ/ም/ፈ   ጀሚሩ  ክሳበ  ዕለት  28/ 10/2014  ዓ/ም/ፈ    ሰዓት  8:00  ድሕሪ ቀትሪ   መቐለ  ዋና  ፅሕፈት  ቤት   ነዚ  ተባሂሉ  ናብ  ዝተዳለወ ናይ  ጨረታ ሳንዱቅ      ክእትዉ   ይግባእ   ናይቲ ጨረታ  ዝርዝር  ወይም  ሰነድ  እንተደሊዩም  ካብ መቐለ ዋና  ፅሕፈት ቤት ምዉሳድ  ይኽእሉ::
3  ተጫረቲ  ጨረታ  መኽበሪ  ቢድ  ቦንድ (CPO)  ብር   500.00  (ሓሙሽተ  ሚኢቲ  ብር)   ብምድላዉ   ብሸምዒ ብፖስታ  ብዝተዓሸገ  ፖስታ    ምስቲ ጨረታ  ዶክመንት  ክእትዉ  አለዎም::  ብፖስታ  ዘይተአሸገ  ሲፒኦ  ወይም  ጥረ   ገንዘብ    ተቐባልነት   የብሉን::
4  እዚ ጨረታ 28/ 10 /2014   ዓ/ም/ፈ    ድሕሪ  ሰዓት  ልክዕ  8:00  ተዓፅዩ  ኣብ  ተመሳሳሊ  ዕለት ድሕሪ  ሰዓት ልክዕ   8:30  ተጫረቲ  ወይም  ሕጋዊ  ወከልቶም  ኣብ  ዝተረኸብሉ  ኣብ  መቐለ መስፍን  ዋና  ፅሕፈት  ቤት  ዝርከብ ናይ  ስብስባ አዳራሽ ዝክፈት  እንትኮን ሰነዶም ዝተማልአ እንተኾነ እንተዘይተረኸቡ  እዉን  ናይ  ጨረታ ሰነድ  ይኽፈት::
5  ተጫረቲ  ዘእትዉዎ  ዋጋ  ናይ  ትራንስፖርት    መፅዓንን  መዉረድን ዘካተተ  ክኸውን  ይግባእ ሰዓራይ   ተጫረቲ ጨረታ  ካብ  ዝሸንፍሉ  ዕለት   ጀሚሩ  ኣብ  ዉሽጢ 03  ናይ  ስራሕ መዓልታት  ዝሰዓርዎ  አቀሓ  ጠቕሊሎም  ከፊሎም ከልዕሉ  ይግባእ  እዚ  እንተዘይኮይኑ ግን  ጨረታ  መክበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ናብ  ትካል ኣታዊ   ኮይኑ ኩባንያና  ካልእ  መማረፂ  ይወስድ::
6  ተጫረቲ አብ  ናይ ካልእ ተጫራታይ  ዋጋ  ተደሪኮም  ዋጋ  ምእታዉ  ኣይካልን::
7  ኩባንያና  ዝሐሸ  መማረፂ  እንተረኪቡ  እዚ  ጨረታ  ብምሉእ  ኮነ  ብኽፋል  ናይ  ምስራዝ   መብቱ  ብሕጊ ዝተሐለወ  እዩ::
8  ንዝበለፀ  ሓበሬታ  ብስልኪ  ቁፅሪ0344402017  መቐለ  ይደዉሉ::