https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1588
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ አብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት እናሀቡ ዝነበሩ ግልጋሎት ዘይሃቡን ክዉገዱ ዝግብኦም ንብረታት ማለት እዉን ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ናይ ሕርሻ መሳርሕታት ሓፂነ መፂን ዕንፀይትን ዝተፋላለዩ ምሩፃት ዘርኢ ናይ ማይ መሳርሕታት ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 22, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 1, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1000
  • ቦታ:ታሕታይ ኣድያቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 1, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/

ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግቡኡ ረቋሕታት

ዝርዝር ክዉገድ ዝተዳለየ ዝሓዘ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ አድያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል

ተጫረቲ ነቲ ንብረት ብኣካል ቀሪቦም ምርኣይ ይክእሉ

ተጫረቲ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ 1000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሕጋዊ ሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም

ተጫረቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝፈለጥሉ ግዘ ጀሚሩ ገንዘብ ኢድ ብኢድ ብምክፋል ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ክወስዱ አለዎም

ዝርዝር ሰነደ ጨረታ ካብ 17 ሚያዝያ 2008 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ 1 ጉንበት 2008 ዓም ብምዕዳግ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ አድያቦ Â ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን

እቲ ጨረታ 1ግንቦት 2008 ዓ ም ሰዓት 3 :00 ቅድሚ ቀትሪ Â ይጅምር

ቤት ፅሕፈትና መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተጫረቲ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።