https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15878
አብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ GCF ብዝረኸቦ በጀት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጠብያ ማይ ጥምቀት ቁሸት ኩመል ፍሉይ ቦታ ዓዲ ፀሊዋ ንመስኖ ግልጋሎት ዝውዕል ዓሚቑ ጉድጓድ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 16, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 30, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50.000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 30, 2017 03:15 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

ግልፂ ጨረታ ምልክታ

መፍለዪ ጨረታ ቁፅሪ NCB/TIG/GCF/GOODS/04/2017

አብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ /GCF/ብዝረኸቦ በጀት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጠብያ ማይ ጥምቀት ቁሸት ኩመል ፍሉይ ቦታ ዓዲ ፀሊዋ ንመስኖ ግልጋሎት ዝውዕል ዓሚቑ ጉድጓድ " ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም ።

ተ/ዓይነት ንብረትመዐቀኒበዝሒፍሉይ ቦታ ሳይት
1Driling and Pump test of one deep well /ኳዕትን ፓም ቴስትን ዓሚቑ ጉድጓድ/ሴት1ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጠብያ ማይ ጥምቀት

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1. ናይ 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ፣ ናይ ማይ ስራሕቲ ፍቓድ፡ ቲን/TIN/ ሰርቲፊክት ዘለዎ ቫት ምዝጉባት ዝኾኑ ቫት ዲክሌሬሽን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ/ም ዘቕርቡ፣

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን እዚ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ብድምፂ ወያነ ብሄራዊ ራድዮ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮና መዝገብ ቤት ካብ ዕለት 16/03/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይካአል ::

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 50.000.00 (ሓምሳ ሽሕ ብር )ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ድማ ኣብኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስቲ ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ኣታሓሒዙ ከቕርብ ይኽእል::

4. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ : ዘለዉዎ ይኽፈት"

5. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናል ቴክኒካልን ሓደ ኦሪጂናል ፋይናንሻል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ከምኡውን 01 ኮፒ ቴክኒካል 2 ኮፒ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሽገ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ኦሪጂናልን ኮፒ ተባሂሉ ብግልፂ ከቐርብ ኣለዎ ፣

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

7. አድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ

8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0914723753/0920326084 ምድዋል - ይከአል ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት ኣብ በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸፈት ይኸዉን።