https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1575
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንአብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒስ ኣቁሑት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 20, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት ክተማልኡ አለኩም

1 ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቲን ነምበር ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት መስክር ዘለኩም

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን ናይ እዋኑ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ካብ 18 ሚያዝያ 2008 ዓም ክሳብ 3 ጉንበት 2008 ዓም ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ክፍሊ ግልጋሎት ዕዳጋ እናመፀፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺግኩም ክሳብ 3 ጉንበት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ 3 ጉንበት ዓም ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡45 ድሕሪ ቀትሪ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምኡዉን ዝተማለአ ሰነድ እነተቅሪቡ ይክፈት

7 መክበሪ ጨረታ 2000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብ ሲፒኦ ጥራሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ መምርሒ ጨረታ አካል ዉዕል ምካኑ ፈሊጡ ክቅርበ አለዎ

መተሓሳሰቢ መክፈቲ ጨረታ ኣብ ትልምን ፋይናስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ይከወን

ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0345540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል