https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15712
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ምግቢ ተንከፍ ኣቑሑ ኣወዳዲሩ ንምግዛእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 26, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 28, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 28, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኣቅርቦት ምግቢ /

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት

1. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

2. ምግቢ ተንከፍ ኣቑሑ

ኣወዳዲሩ ንምግዛእ ስለዝደለየ ነዙይ መሰረት ብምግባር እዞም ዝስዕቡ ሮቓሕታት እተማልኡ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም።

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ጥታ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 28/02/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ይኸፈት ::