https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15361
ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ን2017 ዓም ንናይ ከተማና ሓምለዎት ቦታት ኣስፓልት ማእከል ዘለዉ ተክልታትን ካልአትን ማይ ካብ ዘለዎ ቦታ ብቦጥ እናዳጎዓዘ ክሳብ ወርሒ ሰነ ተክልታት ከሰቲ ምስዝክእል ናይ ቦጥ ኪራይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 22, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 6, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7000
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 6, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ማሽነሪ ክራይ/

1 ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም

2 ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም ዝሐደስኩም

3 ናይ 2017 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደስኩም

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

5 ቲን ሰርተፊኬት ዘለኩም

6 ኩሉ መረዳእታኵም ፎቶ ኮፒ ብምግባር ምስ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ኣብ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉን ኦርጅናል መረዳእታኩም እዉን ክተቅርቡ እትክእሉን

7 ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ስፒኦ ብር 7000 ክተትሕዙ እትክእሉ

8 ሰዓራይ ተዓዋቲ ምካኑ ምስተፈለጠ ድሕሪ ናይ ቅሬታ ግዜ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉን ካብ ዘሸነፍክሞ ጠቅላላ ዋጋ ብጥር ገንዘብ ወይ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ስፒኦ ቼክ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ክተትሕዙ እትክእሉ

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 150 ብምክፋል ካብ ከተማ ሸራሮ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጀጋ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዕደጋ ክፍሊ ወሲድኩም እንዳሐበርና

10 ሰነድ ጨረታ ካብ 22/1/2017 ዓም ክሳብ 6/2/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ክትወሰዱ ትክእሉ ኢኩም

11 ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 6/2/2017 ዓም ሰዓት 4፡00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት ሰዓት 4፡30 ይከዉን

12 ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ሰዳቃ ጥራሕ ዝምላእ ኮይኑ ኣብ ዝምላእ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዉ ኣይግባእን

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914778526 / 0932037840