https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15319
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ኮምፒተር መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 18, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 29, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 29, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ኮምፒተር መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብር 100.00 ብምኽፋል ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. በዘርፍ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ እትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ናይ ወርሒ ሓምለ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡

5. ጨረታ መኽበሪ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡

6. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 15/01/2017 ክሳብ 29/01/2017 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት ፡፡

7. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0344418556 ወይም 0914752718 ምርካብ ይካአል እዩ፡፡