https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15232
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም መሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰፍኑ በርን መስኮትን ንምስራሕ ዝምልከቶም ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 8, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 15, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 15, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ፅገና ገዛ ኣቁሑት፡ በርን መስኮት/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም መሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰፍኑ በርን መስኮትን ንምስራሕ ዝምልከቶም ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (In Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእለ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፡

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ዝኸእሉ፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 15/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ይኸፈት፡፡