https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15194
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፕሪንተር (ID card Printer) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 30, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 8, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 8, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ን3 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፕሪንተር (ID card Printer) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (in Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 6,000.00 ዘትሕዙ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝኸእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 08/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ