https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15041
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ቢሮ ዕገና ዘካይዱ ሰብ ሞያታት ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት (በጀት ዓመት 2017) ውዕሊ ብምእሳር ከስርሒ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሓምለ 26, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 10, 2016 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 10, 2016 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ፅገና ገዛ ኣቁሑት፡ በርን መስኮት/

ምልክታ - ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ቢሮ ዕገና ዘካይዱ ሰብ ሞያታት ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት (በጀት ዓመት 2017) ውዕሊ ብምእሳር ከስርሒ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 3,000.00 ከትሕዙ ይግባእ፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኽን ይኽእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 50.00 ብምኽፋል

ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 10/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት

ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡