https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14984
ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ን2016/17 ዓ/ም ዘለዋና ኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ሰርቪስን ጉልበት ዋጋ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክነስርሕ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 15, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሓምለ 18, 2016 11:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሓምለ 18, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/

ቁፅሪ ዕፉን/ምጨ/15/0663/2016 ዓ/ም 

ዕለት 15/11/2016 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 01/2016 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ጉልበት ዋጋ ይምልከት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ን2016/17 ዓ/ም ዘለዋና ኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ሰርቪስን ጉልበት ዋጋ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክነስርሕ ይደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም፦

1. ናይ 2016/17 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2016/17 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም

መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።

4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይሪክቶሬት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 15/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 17/11/2016 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 18/11/2016 ዓ/ም 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን

6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረትዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት 7.5 %

ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ሰዓራይ ምዃንኩም/ን

ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብን ወይም ውዕሊ ኣይእስርን ምባል ተቀባልነት የብሉን ፡፡

8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።