https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14981
ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል 1. ናይ ፎቶ ኮፒ ግልጋሎት ሎት-1 2. ናይ ፈሪኒቸር ኣቁሕት ፅገና ሎት-2 3. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናውቲ ፅገና ግልጋሎት ሎት-3 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 15, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሓምለ 18, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሓምለ 18, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ፅገና ገዛ ኣቁሑት፡ በርን መስኮት/

ፕሮፈርማ ቁፅሪ-1 2017 ዓ/ም

❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል

1. ናይ ፎቶ ኮፒ ግልጋሎት ሎት-1

2. ናይ ፈሪኒቸር ኣቁሕት ፅገና ሎት-2

3. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናውቲ ፅገና ግልጋሎት ሎት-3 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

❖ ናይ ዘመነ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ፣ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (Tin) ዘለኩም ፣ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም።

❖ ናይዚ ፕሮፈርማ _ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ መፂእኸም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክትኣስሩ እትኽእሉ።

❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 15/11/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 18/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 ስለ ዝኽፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።

❖ ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ዋጋ ልዕሊ 3,000.00/ሰለስተ ሽሕ ብር /እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍፉ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።

❖ ናይቲ ዕፕሮፎርማ ሰዓራይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2017 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክስር ዝኽእል ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉዕ።

❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉውእዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914759607 ደዊልኩም
ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር ፡፡