https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14925
ሆስፒታል መቐለ ዝተፈላለየ ኣቅሑት ን2017 ብዘርፊ ንግዲ ስራሕ ሐለዋ ወይ እዉን ዋርዲያ : ብዉፅኢት ዉሕልና :ስጋ :እንጀራ :ኣትክልትን ፍራምረን: መመላለሲታ ማይ ቦጥ : አገልግሎት ፅሬት : ፅገና ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን: ኮምፒተርን :ምምላእ ቀለም ፎቶኮፒን :አገልግሎት ማሽን: ፅገና ተሽከርከርትን ጋራጅ ኦክስጅን : ንሰራሕተኛታት አገልግሎት ዝዉዕል ሰርቪስ ማለት እዉን አዉቶብስ ኪራይ መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ምስ ዝሰዓሩ ዉዕሊ ብምእሳር ክዕድግን ኣገልግሎት ክረክብን
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 27, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሓምለ 11, 2016 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢዘርፉ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሓምለ 11, 2016 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/ ናይ ንፅህናን ፅሬትን ኣገልግሎት/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ምግጣምን ፅገናን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ፅገና ተሽከርካሪ/ መኪና ክራይ/ ማሽነሪ ክራይ/ ስራሕቲ ሓለዋ/

1 በቢዘፈሩ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ: ብመቅረብቲ :ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ወርሓዊ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከምእዉን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ደቀቅቲ  አናእሸተይ ተመዝጋቢ ምካኖም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእል

3 ዋጋ ፀኒሑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታተልቲ 60 መዓልቲ ኮይኑ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት 27 ሰነ 2016 ዓም ክሳብ 11/ሐምለ/2016ዓም ሰዓት 8:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ 305 ብምምፃእ ገዚእካ ምዉሳድ ይከኣል

4 ተጫረቲ ብናይ ትካልና ዘቀረበ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ብመከበሪ ዉሕስና ጨረታ 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ/ ብፖስታ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዝቀርብ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ሒዙ ዝቀርብ ተቀባልነት የብሉን

5 ንፅገና ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ምምላእ ቀለም ፎቶኮፒን ብመከበሪ ዉሕስና ጨረታ 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/  ኣብ ዝቀርብ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ሒዙ ዝቀርብ ተቀባልነት የብሉን

6 ዝሰዓረ ተጫረቲ ዘቅርቦ አገልግሎት ይኩን ኣቅርቦት ኣብ ሆስፒታል መፂኡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድን ኣብ መዓሸጊ ፖስታ ሽሞምን ፊርሞምን ናት ታካሎም ማሕተምን ክዓርፈሉ ይግባእ

9 ሰነድ ጨረታ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ዘይተረከብሉ ዕለት 11/ሐምለ/2016 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት

10 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕሮፎርማ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ