https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1483
ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ሕክምና መድሓኒት ናይ መካይን መቀያየሪ ኣቅሓን መራከቢ ሬድዩ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 1, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 14, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 14, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/

ተወዳደረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወረሒ ጥሪ 2008 ዓ/ም ድክለር ዝገብረን ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ/TIN Number/ ዘለዎምን ከቅራብ ዝኽእልን

2 ጨረታ መኽበሪ /CPO/ ከትሕዝዎ ዝግባእ

  1. ንናይ ሕክምና መድሓኒትÂ Â Â Â Â Â Â Â Â ብር 4000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ ብር/
  2. ንመካይን መቀያየሪ አቅሓÂ Â Â Â Â Â Â Â Â ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/
  3. ንመራከቢ ሬድዩ Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â Â ብር 10000.00 /ዓሰርተ ሽሕ ብር/

3 ተወዳደረቲ ንዝሸነፍዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሮም ንመከይን መቀያየሪ ኣቅሓን ናይ ሕክምና መድሓኒት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ንመራከቢ ሬድዩ ድማ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክቕርቡ ዝኽእል

4 ተወዳደረቲ ኣብ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣ/ሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ

5 ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ሰነድ 30 ብር ብምኽፋል ዝመልእዎ ጨረታ ካብ ዕለት 30/07/2008 ዓ/ም ክሳብ 14/08/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ረፋድ አብ ዘሎ ግዜ ኣብ መ/ቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት

6 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንዓሉ ሐደ ወርሒ ፀኒዑ ይፀንዕ

7 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ Â

8 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ

Â

Â

Â