https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14776
ቢሮ ማህበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ መሳርሕቲ ፅሕፈትን ኣቅሑት :ፈርኒቸርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 21, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ፅሕፈት 20000 : ንፈርኒቸር 10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 21, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ኣብ መሳርሕቲ ፅሕፈትን ኣቅሑት :ፈርኒቸርን ትሳተፉ ትካላት ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘለኩም

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ተወሳኪ እሴት መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 መከበሪ ጨረታ መሳርሕቲ ፅሕፈትን 20000 : ንፈርኒቸርን 10000 ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝቀርብ ዉሕስናን ጥረ ገንዘብን ወይድማ ዝተረጋገፀ ቼክ ማለት ስፒኦ ናይ ቅብሊት ትእዛእን ከቅርብ ዝክእል

4 ንዝተዳለወ መምርሒ ሰነድ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣቅሑት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ክትወስዱ ትክእሉ

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቀለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ መዓቀኒ ማለተ እዉን እስፐስፊኬሽን 6/10/2016 ዓም ክሳብ 21/10/2016 ዓም ኮይኑ ሰነድ ምስተገዝአ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፖስታ  ዝቀርብ ኮይኑ እቲ ጨረታ ፀኒሑ ዝፀንሐሉ ድማ ን 40 መዓልቲ ይከዉን

6 ጨረታ 21/10/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ይክፈት

7 ኣድራሻ ቢሮ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ቢሮ ሐበራዊ ህንፃ ብሎኩ ሐደ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ይከዉን

8 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400158